ሕውየት ህዝቢ ትግራይ ምስ ምምላስ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝተኣሳሰረ እዩ፤ ፕሮፌሰር እሙሩ ብርሃነ፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ፤ ፅንተት ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝሓወሰ ምዃኑ፤ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ናብ ንቡር ምምላስ ጀሚሩ ዝፀንሐ ሃፍቲ ተፈጥሮ ከም ዝበረሰን ተገሊፁ፡፡ ሕውየት ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣካል ሕውየት ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ንምዕማም ከቢድ ፃዕሪ ዝሓትት ምዃኑ ውን ተመራማሪ ሃፍቲ ተፈጥሮ ፕሮፌሰር እሙሩ ብርሃነ ኣረዲኦም ፡፡ ትግራይ መሰረት ጥንታዊ ስልጣነታት ብምዃና ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ንነዊሕ ዘመናት ኣብ ጥቕሚ ካብ ምውዓሉ ብተወሳኺ፤ ንዘመናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘነፃፀሩ ወራራትን ወፍሪታት ጀኖሳይድን ኣብ ልዕሊ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ እዉን ከቢድ ዕንወት እናብፀሑ ምምፅኦም ዝገለፁ ተመራማራይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ፕሮፌሰር እሙሩ ብርሃነ፤ ዘላቒ ውሕስና ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ዝከኣል ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ኣካል ሕውየት ኮይኑ ክስረሐሉ እንተኽኢሉ እዩ ኢሎም፡፡